ሃገረ ማልታ፡ እታ ቀዳመይቲ ልዕሊ 70% ካብ መንእሰያታ፡ ብክታበት ኮቪድ-19 ዝኸተበት፡ ኤውሮፓዊት ሃገር ከምዝኾነት፡ ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም፡ ሓደ እብረ ብልቃጥ ጥራይ ከምዝተኸትቡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ሎሚ፡ ብሳላ ክታበት ኮቪድ-19፡ ሃገረ ማልታ፡ ህዝባዊ ስርዓተ ምክልኻል (herd immunity) ኣጥርያ ክብል ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር፡ ክሪስ ፍየርነ፡ ንጋዜጣታት ማልታ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና AFP ሓቢሩ።
ልዕሊ 475 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት፡ ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓለን፡ በዚ ድማ፡ ካብቲ ምሉእ ህዝቢ ማልታ፡ 42% ከምዝተኸትቡ ጸብጻባት እታ ሃገር ይገልጹ።
መጠን ምስፍሕፋሕ ኮሮና፡ ኣብ ማልታ፡ ኣንቆልቊሉ ከምዘሎን፡ በዚ ድማ፡ 25 ካብ 100 ሽሕ ሰባት ጥራይ ዝተለኽፉ ምህላዋን ኣብ ኤውሮፓ እታ ዝወሓደ መልከፍቲ ዘለዋ ሃገር ኮይና ኣላ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሳምንታት፡ ሃገረ ማልታ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19፡ ዝሞቱ ሰባት ከምዘይነበራ ይግለጽ።