ብርክት ዝበሉ ሽወደናውያን፡ ናብቲ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝንቀሳቐስ፡ ዳዕሽ፡ ዝተሰምየ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ፡ ንምጽንባር ናብዘን ሃገራት ከም እተጓዕዙን ሕጂውን ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ነዚ ውድብ ደገፎም ይህቡ ኣለዉ። ምስዞም ሰባት፡ ቀጻሊ ርክባት ኣሎና። ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ምክትታል ውን እዮም ዝርከቡ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ንወኪል እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ፍረድሪክ ሆልስትሮም፡ ብምጥቃስ ሎሚ ሓቢራ።
ገምጋም ጸጥታዊ መዋቕር ከም ዝሕብሮ፡ ስነ-ሓሳብ ዳዕሽ፡ ኣብ ሽወደን ሕጂ’ውን ተኸተልቲ ኣለዉዎ። ብርክት ዝበሉ ሽወደናውያን ውልቀሰባት ኣብኡ ኣለዉና። ገሊኣቶም ነጻ ኮይኖም፡ ናብ ሽወደን ክምለሱና እውን ንጽበዮም ኣለና። ብዛዕባዚ ጉዳይ ምስ ካልኦት ሰብመዚ ክንዛተየሉ እውን ድሉዋት ኢና” ክብል ሆልስትሮም ይገልጽ።
ኣብ ሶርያን ዒራቕን፡ ምስ ዳዕሽ ዝተሓሓዝ መጥቃዕታት፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምውሳኹ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጠንቂ ምውሳኽ ቁጽሪ መጥቃዕታት፡ ለበዳ ኮሮና፡ ብዙሓት ሃገራት ወተሃደራተን ካብቲ ቦታ ብምስሓበንን ዳዕሽ ብቐሊሉ ናይ ስለያ ሓበሬታ ክረክብ ብምኽኣሉን እዩ።
ካብ ሃገርና ወጻኢ ዝኽሰቱ ነገራት፡ ይጸልዉና እዮም። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እዚ ኩነታት፡ ጽቡቕ ዝኾነ ስእሊ ሒዝና ኣሎና ክብል ሆልስትሮም ወሲኹ ኣረዲኡ።
ካብቶም ናብ ጉጅለ ዳዕሽ ክጽንበሩ ናብ ሶርያን ዒራቕን እተጓዕዙ ዜጋታት ሽወደን፡ ፍርቈም፡ ከም እተመልሱ ዝፍለጥ እዩ። ብዙሓት ተቐቲሎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ እኳ እንተተገመተ፡ ዛጊት፡ ክረጋገጽ ኣይተኻእለን። ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ብዙሓት ሽወደናውያን ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ዳዕሽ ዝርከቡ መዓስከራት፡ ቈልዑን ደቀንስትዮም፡ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ።
ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣርባዕተ ደቀንስትዮ ምስ ደቀን ናብ ሽወደን ተመሊሰን ኔይረን። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት፡ እዞም ውልቀሰባት፡ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ድሌት ይህልዎም ዶ ይኸውን ንዝብል ሕቶ ክግምግም ግዴታ ይገብሮ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣብ ሽወደን፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ ንስነ-ሓሳብ ዳዕሽ ደገፍ ከም ዘለዎም ከም ዘጣለለ ሓበሬታኡ ሂቡ’ሎ።
ናይ ዳዕሽን ናይ ከሊፋትን ስእሊ፡ ኣብ ገሊኦም ሕብረተሰባት፡ ህቡብ ምህላዉ ፈሊጥና ኣሎና ክብል ሆልስትሮም ይገልጽ። እዚ ስእሊ፡ ንምቕያሩ፡ ሓይሊ ምጥቃም ከድሊ እዩ ክብል፡ ወሲኹ ገሊጹ።