ኣብ ካልኣይ ርብዒ ናይዚ ዓመት፡ ሚዛን ገንዘብ ሃገረ ኖርወይ፡ ናይ 83 ቢልዮን ኖርወጃዊ ክሮን ሕጽረት ከምዘርኣየ መንግስቲ ሓቢሩ። እዚ ተርእዮ፡ ድሕሪ 1994 ንፈለማ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ ክብል፡ መንግስቲ ኖርወይ፡ ምግላጹ TT ሓቢሩ።
ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይዚ ዓመት፡ መንግስቲ ኖርወይ ናይ 22 ቢልዮን ኖርወጃዊ ክሮን ፈሰስ ከምዝገበረ ይዝከር።
ቅኑዕነት ናይዞም ዝተጠቕሱ ኣሃዛት ምምሕያሽ ዝግበረሎም እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት፡ ንፈለማ ግዜ ሕጽረት ነርኢ ምህላውና ዘይሳሓት እዩ ክብል ኣብ ቤት ጽሕፈት ትረዠሪ፡ ሓላፊ ክፍሊ ሒሳብ፡ ዝኾነ ፖል ስሊቲን ገሊጹ።
እዚ ዘጋጠመ ሕጽረት ሚዛን ገንዘብ፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዘስዓቦ ዋሕዲ ሃገራዊ ኣታዊታትን ምውሳኽ ዋጋታትን ምዃኑ ድማ ገሊጹ።
ብመሰረት ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ትረዠሪ ኖርወይ፡ መጠን ሃገራዊ ፍርያት፡ ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት፡ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 9% ምንቁልቋሉ ሓቢሩ።