ፓርላማ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ብዛዕባ ናይቲ ብቀጠልያ ፓስፖርት ዝፍለጥ ናይ ክታበት ኮቪድ-19 ምስክር ወረቐት ብዝምልከት ድሕሪ ዘካየድዎ ነዊሕ ዝርርብ፡ ከም ዝተሰማምዑ ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እቲ ናይ “ቀጠልያ ፓስፖርት” ስምምዕ፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ እቲ ምስክር ወረቐት ኣብ ፈተነ ክውዕልን ካብ ዕለት 01 ሓምለ ጀሚሩ ድማ ኣብ ስራሕ ክውዕል ምዃኑ ተሰማሚዖም ኣለዉ።
እዚ ስምምዕ፡ ንነጻን ውሑስን ምንቅስቓስ ናይ ሰባት ንኽጅመር ከም ኣገዳሲ ስጉምቲ ኢዩ ክትብል፡ ኮሚሽነር ጥዕና ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ስቴላ ሽርያኪድስ፡ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ሓቢራ።
ካብ ሎሚ ጀሚሮም ሽወደናውያን፡ ንናይ ዕረፍቲ ግዝይኦም ክምድቡ ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም ክብል ሽወደናዊ ኣባል ፓርላማ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ቶማስ ቶበ፡ ገሊጹ።