ፕረዚደንት ፈረንሳ፡ ኢማኑኤል ማርኮን፡ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ዝረኽባሉ ኣገባብ፡ ጽገና ክግበረሉ ኣለዎ ክብል፡ ጻውዒት ምቕራቡ ቢቢሲ ሓቢራ።
ንሱ፡ ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ዝተቓንዐ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ሓለፍቲ ዓለምለኸ ፋይናንሳዊ ትካላትን ኣብ ዘቕረቦ መደረ፡ ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ቊጠባዊ ዕንወት ንምምካት፡ እዚ ኣገዳሲ ጽገና ክሰዓብ ኣለዎ ኢሉ።
ብምኽንያት ዕዳ ዘስዓቦ ቊጠባዊ ወጥሪ፡ ዓሰርታት ሚልዮናት ኣፍሪቃውያን ካብ መስመር ድኽነት ክወርዱ ከም ዝኽእሉ፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ዘቕረቦ ትንተና የመልክት። ማርኮን፡ ድኽነት ኣፍሪቃን ምስፍሕፋሕ ግብረሽበራን ቀጥታዊ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ሓቢሩ’ሎ።