ቱርኪ፡ ሕጂ’ውን ን ሕቶ ኣባልነት ኔቶ ሽወደንን ዴንማርክን ምቅዋም ቀጺላ’ላ ተባሂሉ። እንተኾነ ግና፡ ኣብ ካልኦት ኣባል ሃገራት ዘሎ ደገፍ ዓብዪ ምዃኑን፡ ብርክት ዝበላ ድማ እዚ ኣባልነት ናይ ምስላጥ መስርሕ ይተሓጋገዛ ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።”ከም መርኣያ ናይዚ መንግስቲ ኤስቶንያ ፊንላንድን ሽወደንን ኣባላት ኔቶ ክኾና ከም እትድግፍ” ቀዳመይቲ ሚንስተር ኤስቶንያ ጃያ ካላስ ሎሚ ገሊጻ’ላ። ብዘይካዚ፡ ሊቱዌንያ እውን ነዚ መስርሕ ንምቅጣፍ ምኽታም ንድፊ ፕሮቶኮል ጀሚራ ምህላዋ ተፈሊጡ’ሎ።