ሃገረ ፖርቱጋል፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ዕለት 17 ግንቦት ጀሚራ፡ ብጀካ ንውሱናት፡ ንኹሎም ናብ ሃገራ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክኣትዉ ዝደልዮ በጻሕቲ ዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣፍደጊኣ ክፉት ምዃኑ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ናብ ሃገረ ፖርቱጋል፡ ብኣገዳሲ ምኽንያት ጥራይ ክኣትዉ ዝፍቀደሎም፡ ዜጋታት ናይተን መጠነ መልከፍቲ ኮሮና ልዕሊ 500 ኣብ ነፍሲ ወከፍ 100 ሽሕ ሰባት ዘጋጥመን ሃገራት እዮም። እዘን ሃገራት ድማ፡ ሳይፕረስ፡ ክሮኤሻ፡ ሊትዋንያ፡ ሆላንድ፡ ሽወደን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብራዚልን ህንድን ምዃነን፡ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኩሎም ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝዕድሚኦም፡ ብኣገዳሲ ምኽንያት ናብ ሃገረ ፖርቱጋል ዝኣትዉ በጻሕቲ፡ ካብ 72 ሰዓታት ዘይበዝሕ ዕድመ ዘለዎ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና፡ ዝገልጽ ምስክር ወረቐት ከቕርቡ ክግደዱ ምዃኖም፡ ሃገረ ፖርቱጋል፡ ብተወሳኺ ሓቢራ ኣላ።
ሃገረ ፖርቱጋል፡ ከም ኣገደስቲ ምኽንያታት ኢላ ኣቐሚጣቶም ዘላ፡ ምስ ስራሕ፡ ጥዕና፡ ትምህርትን ምጥርናፍ ስድራቤትን ዝኣመሰሉ ምኽንያታት ዝተሓሓዙ ምዃኖም ገሊጻ።