ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚራ፡ ሃገረ ፊንላንድ፡ መምርሒታት መገሻ ከተፉኩስ ምዃና ኣፍሊጣ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እቶም ምሉእ ክታበት ዝወሰዱ ዜጋታት ሃገራት ኖርዲክን ኤውሮፓዊ ሕብረትን ናብታ ሃገር ክኣትዉ ፍቓድ ረኺቦም ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። እቶም ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብሕማም ኮቪድ-19 ተጥቒዖም ከም ዝነበሩ መረጋገጺ ዘምጽኡ ሰባት ውን ናብታ ሃገር ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ኩባንያ ዜና Yle ሓቢሩ።
ዜጋታት ፊንላንድ ውን፡ ጥንቃቐ ብዝመለኦ ኣገባብ፡ ናብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ክገሹ ከምዝኽእሉን ዘይተደልዩ መገሻታት ክውግዱ ከምዝግባእ ክብል፡ መንግስቲ ፊንላንድ፡ መኺሩ።
ናብ ሽወደንን ኢስቶንያን ብመንገዲ መርከብ ዝግበር ናይ ስራሕ መገሻታት ውን ፍቑድ ምዃኑ ብምውሳኽ ሓቢሩ።