ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም እንተዘይኮይኑ ንኻልእ ሰብ ከም ዘይወሃብ፡ ሃገረ ጣልያን ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ኣብ 25 ግንቦት፡ ሓንቲ ጓል 18 ዓመት መንእሰይ፡ ብክታበት ኣስትራ ዘነካ ምስ ተኸትበት፡ ደም ናይ ምርጋእ ኩነታት ስለ ዘጋጠማ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ብሓሙስ ክትመውት ከምዝኻኣለት መንግስቲ ጣልያን ድሕሪ ምሕባሩ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ናእሽቱ ሰባት፡ ምስ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ዝተሓሓዙ ውሑዳት ግን ድማ ብጣዕሚ ሓደገኛ ዝኾኑ ሳዕቤናት እኳ እንተ ተራእዩ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝርከቡ ኩሎም ክሊ ዕድመታት፡ ብፍርያት ሽወደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ከምዝተኸትቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።