ሃገረ ጀርመን፡ ኣብ እዋን መዋእለ መግዛእቲ፡ ኣብ ልዕሊ ናሚብያውያን፡ ምጽናት ዓሌት ምፍጻማ ብዕሊ ተኣሚና’ላ።
በዚ ድማ፡ ነዚ ታሪኻዊ በሰላ ንምሕዋይ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ክትገብረላ ምዃና ገሊጻ’ላ። ኣብ 20 ክፍለ ዘመን፡ ጀርመን፡ ከም ሓንቲ ኢንዱስትርያዊት ሃገር፡ ኣብ ኣፍሪቃ መግዛእቲ ክትማቐል ኣብ እትንቀሳቐሰሉ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ ደቡባዊት ምዕራብ ሃገረ ናሚብያ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት፡ ህዝቢ ሄረሮን ናማን፡ ምቕታላ ዝዘከረ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ጀርመን፡ ሄኮ ማስ፡ ነዚ መቕተልቲ ምጽናት ዓሌት (Genocide) ክብል ገሊጽዎ’ሎ።
ገዛኢ ሓይሊ ጀርመን፡ ጥሪቶምን መሬቶምን ምስ ወሰደሎም፡ ህዝቢ ሄሬሮን ናማን ድሕሪ ዝገበርዎ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ እቲ ጃምላዊ መቕተልቲ ኣብ 1904 ከም ዝጀመረ ሰነዳት ታሪኽ የመልክቱ። “ጀርመን ናይዚ ጌጋ ምሉእ ሞራላዊን ታሪኻዊን ሓላፍነት ወሲዳ ኣላ፥ ንወለዶ እዞም ዝጸነቱ ዓሌት ድማ ብዕሊ ይቕሬታ ንሓትት” ኢሉ። ንሱ ብምውሳኽ፡ “ጀርመን እዞም ግዳያት ዘሕለፍዎ ዘስካሕክሕ ስቅያት ኣፍልጦ ትህበሉ ኣላ፥ በዚ ድማ 1.1 ቢልዮን ዩሮ ዝግመት ናይ ልምዓት ፕሮግራም ኣብ ናሚብያ ከነሳልጥ ኢና” ኢሉ።
እዚ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት ዝወሃብ ገንዘብ፡ ኣብ ትሕተ-ቕርጺ፥ ኣገልግሎት ጥዕናን ንሕብረተሰብ ናሚብያ ዘርብሑ ናይ ስልጠና ኣገልግሎትን ክውዕል እዩ ኢሉ። እንተኾነ ገለ ያታውያን መራሕቲ፡ ነዚ ውዕል ከም እተቓወሙ፡ መንግስታዊት ጋዜጣ፡ ኒው ኤራ፡ ሓቢራ።
እዚ ሓሙሽተ ዓመታት ዝወሰደ ዝርርብ፡ ሎሚ ዓርቢ እተበጽሐ ስምምዕ፡ ነቲ ካብ 1884-1915 ብመግዛእታዊ ሓይሊ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ናሚብያውያን እተፈጸመ ዝተረስዐ ህልቂት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ምጽናት ዓሌት፡ ኣፍልጦ ብምሃብን ናይ ልምዓት ፕራግራም ብምሕንጻጽን ተዛዚሙ’ሎ።
እዚ ጃምላዊ ህልቂት፡ ኣብ መንጐ መንግስታት ናሚብያን ጀርመንን ዝጸንሐ ዝምድና ንብዙሕ ዓመታት ሓሊኽዎ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምጽናት ዓሌት፡ ዝተፈላለዩ ተግባራት ዘጠቓልል ኮይኑ፥ ንሓደ ህዝቢ ብጅምላ ምቕታል፥ ንሓደ ብሄር ዓሌት ወይ ሃይማኖታዊ ጒጅለ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ከተዕንዎ ብምንቃድ ዝፍጸም ተግባር ብምባል እዩ ዝገልጾ።