ሃገረ ጀርመን፡ ንሽማግለታትን ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ጉጅለታትን፡ ካብ ዕለት 1 መስከረም ጀሚራ፡ ሳልሳይ ብልቃጥ ክታበት ክትከትቦም መደብ ሒዛ ከምዘላ ንጸብጻባት AFP ምርኩስ ብምግባር ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን፡ የንስ ሽፓን፡ ሎሚ ሰኑይ፡ ምስ 16 ዞባውያን ሚኒስተራት ጥዕና ተራኺቡ፡ ብዛዕባ እዚ መደብ ዛዛሚ ውሳነ ከመሓላልፍ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ሓቢሩ።
ተንቀሳቐስቲ ጉጅለታት ክታበት፡ ናብ እንዳ ዓበይቲ ብምኻድ፡ ክኸትባ ክጅምራ ኣለወን። እቶም ሽማግለታት፡ ኣቐዲሞም ዝወሰድዎ ክልተ ክታበታት ብዘየገድስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ክታበታት ፋይዘር ወይ ድማ ሞደርና ክወሃቡ ምኳኖም ክብል እቲ ጸብጻብ ኣረዲኡ።
ናይ ክታበት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ፡ ምስ ግዜ ከምዝጎድል፡ ሓደስቲ ዝወጹ መጽናዕታት ይሕብሩ።
ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ሃገረ ጀርመን ትሑት እኳ እንተኾነ፡ ብሰንኪ ጅር ደልታ ግን፡ ኣብ ቀረባ ሳምንታት፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ክዓቢ ከምዝተራእየ ይፍለጥ። ብኻልእ ወገን፡ መጠን ብዝሒ ክታበት ኣብ ጀርመን ይጎድል ከይህሉ ሰብ መዚ ጀርመን ስክፍተኦም ይገልጹ።