ሃገረ ዴኒማርክ፡ ነቶም ዘልዓለቶም መምርሒታት ኮቪድ-19 ከም እንደገና ከተተኣታትዎም ከም ዝግባእ፡ ኣማኻሪ በዓል መዚ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ሶረን ብሮስትሮም፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እቲ ውሳኔ፡ ኣብ ኢድ ፖለቲከኛታት ስለዝኾነ፡ ጻውዒተይ ነቶም ፖለቲከኛታት እዩ ክብል፡ ብሮስትሩም፡ ምስ ዴኒማርካዊ tv2 ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።
ሃገረ ዴኒማርክ፡ ክሳብ ዕለት 01 መስከረም ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ኣብ ጥቕሚ ኣውዒላ ከምዝነበረት ይዝከር።
ብሓሙስ፡ 2,598 ሰባት፡ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኽፉ ይፍለጥ። እዚ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ መልከፍቲ ከም ዝኾነ ጸብጻባት ጥዕና እታ ሃገር ይሕብሩ።