ሃገረ ኬንያ፡ ኣብቲ ሎሚ ምስ ሃገረ ሶማል፡ ዘለዋ ምስሕሓብ ማያዊ ዶባት፡ ኣመልኪቱ ዝካየድ ኣኼባ ኣህጒራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ከም ዘይትሳተፍ ምንጪታት መንግስቲ ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢራ።
ኬንያ፡ ነቲ ቤት ፍርዲ፡ ሻራዊ መርገጺ ወሲዱ ብምባል ቅሬታኣ ክትገልጽ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ። ኬንያን ሶማልን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ዝርከብ 160 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜትር ዝንውሓቱ ስሉስ ኩርናዕ ማያዊ ኣካል፡ ምስሕሓብ ከም ዘለወንን እዚ ምስሓሓብ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ክልቲአን ሃገራት ቀዳምነት ምሓዙን ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።
ኬንያ፡ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና፡ እዚ ኣኼባ ክጸንሕ እኳ እንተጠለበት፡ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ነዚ ብምንጻግ ሎሚ ኣኼባኡ ኣካይዱ ኣሎ።
ኬንያ ብዘይካ’ዚ፡ ኣብቲ ጒጅለ ኣከብቲ፡ ሓደ ሶማላዊ ዳኛ፡ ምህላዉ ከም እትቃወም ገሊጻ ምንባራ ይዝከር። ኬንያ እቲ ኣሰሓሓቢ ኮይኑ ዘሎ ማያዊ ዶብ፡ ካብቲ መሬታዊ ዶብ፡ ትኽ ኢሉ እዩ ክሕንጸጽ ዘለዎ ዝብል መርገጺ ክትሕዝ እንከላ፡ ሶማል ግና ብቄናን መስመር ክወርድ እያ እትጠልብ።
ኬንያን ሶማልን ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ናይ ሓባር ግንባር እኳ እንተፈጠራ ሓያሎ ፖለቲካዊ ዘይምስምማዕን ሕልክልኽ ዝበለ ርክባት ከም ዘለወን እዩ ዝግለጽ። ንኣብነት ሶማል ነቲ ኬንያ ንመንግስቲ ጁባላንድ እትህቦ ደገፍ ብመንግስቲ ፈደራል ሶማል ከም ዘይፍተወላ እዩ ዝግለጽ። እዚ ንሶማልን ኬንያን ዘሰሓሕብ ዘሎ ቦታ ብማዕድናት ዘይትን ጋዝን ሃብታም ምዃኑ ይንገረሉ።