ፖሊስ ኣይቮሪ ኮስት: ኣብ ሕርሻ ካካዋ: ህጻናት ዘዋፈሩ 22 ሰባት: ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ተገሊጹ። ሓሙሽተ ካብዞም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ: ንቈልዑ ኣብ ናይ ጒልበት ስራሕ ዝዋፈሩ ሰባት: ን 20 ዓመታት ክፍረዱ እንከለዉ: እቶም ካልኦት ን 5 ዓመታት ተፈሪዶም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ: ብዝተኻየደ ስርሒት: 70 ቈልዑ: ካብ ተመሳሳሊ ግዱድ ዕዮ ክድሕኑ ከም እተገብረ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣይቮሪ ኮስት: ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኮይና: ኣብ ዓለምና ዝዓበየት ኣፍራዪት ካካዋ ምዃና ይፍለጥ። ኣብዚ ጽላት ቊጠባ: ክሳብ 6 ሚልዮን ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ከም ዝዋፈሩ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ: ዝበዝሑ ካብዚኣቶም: ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ማሊን ቡርኪናፋሶን እዮም ዝመጹ። ካብዞም ሰራሕተኛታት: እቶም 800 ሽሕ ዝኣኽሉ: ህጻናት ምዃኖም ጸብጻባት የመልክቱ።
ብፍላይ ምስ ምምጻእ ኮቪድን ምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲን ናብ ሽቕለት ዝዋፈሩ ህጻናት ቊጽሮም ዛይዱ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ።