ሃገረ ኢኳዶር፡ ኣብ ዓመተ 2018፡ ንመስራቲ ዊኪሊክስ፡ ጁልያን ኣሳንጂ፡ ሂባቶ ዝነበረት ዜግነት ኢኳዶር፡ ከምዝሰረዘቶ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣሳንጂ፡ ኣብቲ ኣብ ሎንደን ዝርከብ ህንጻ ኤምባሲ ኢኳዶር፡ ንዓመታት ዝኣክል ዑቕባ ተገይርሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣቐድም ኣቢላ ኢኳዶር፡ ንኣሳንጂ፡ ዜግነት ኢኳዶር ከምዝሃበቶን፡ ዲፕሎማስያዊ ደረጃ ንኽወሃቦ ውን ጠለብ ኣቕሪባ እኳ እንተነበረት፡ መንግስቲ እንግሊዝ ግን ንጠለብ መንግስቲ ኢኳዶር ከምዝነጸጎ ይዝከር።
ሕጂ ድማ፡ ሓደ ቤት ፍርዲ፡ ዜግነት ክስረዝ ብይን ሂቡ ከምዘሎን፡ እዚ ብይን ድማ ግጉይ እዩ ክብል ጠበቓ ኣሳንጂ፡ ካርሎስ ፖቬዳ ከምዝገለጾ፡ ABC ዝተባህለ ማዕከን ገሊጹ።
ብዛዕባ እዚ ብይን፡ ዝያዳ መብርሂ ክሓትት ምዃኑ፡ ፖቬዳ፡ ሓቢሩ ኣሎ።