ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ካብቲ ተሓሲብዎ ዝነበረ እዋን፡ 16 መዓልታት ጸኒሑ ዕለት 21 ሰነ ክካየድ ምዃኑ ቦርድ ምርጫ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ምርጫ እታ ሃገር ክናዋሕ፡ እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ። ዓሚ ክካየድ ዝግበኦ ዝነበረ ምርጫ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ፡ ክሰጋገር ምግባሩ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ብርክት ዝበሉ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር፡ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፡ ንለበዳ ሕማም ኮቪድ ከም ምኽንያት ብምቕራብ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንምንዋሕ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ ዝብል ክሲ ብምልዓሎም፡ ኣብታ ሃገር ገዚፍ ፖለቲካዊ ወጥሪ ተኸሲቱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ብድሕሪኡ፡ እቲ ምርጫ፡ ኣብ ዝበዝሑ ክፋላት እታ ሃገር ንዕለት 5 ሰነ ክካየድ ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኸኣ ድሕሪ ሰሙን ናይዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ክካየድ ተወሲኑ። ቦርድ ምርጫ፡ ሕጂ ውን እንተኾነ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ሎጂስቲክ፡ ምድንጓይ ምዝገባ መረጽቲን ካልእ ተህኒካዊ ጸገማትን ኣለና ብምባል ነቲ ምርጫ ናብ 21 ሰነ ክናዋሕ ጌሩ ምህላዉ ተፈሊጡ።
እዚ ምርጫ ዝግበረሉ እዋን፡ ብሒደት ሳምንቲ እውን ይዂን እንድሕሪ ተናዊሑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክረምቲ ምስ ምዃኑ መረጽቲ ከጒድልን ነቲ ምርጫ ብኣሉታ ክጸልዎን እዩ ዝብሉ ርእይቶታት ክወሃቡ ምጽንሖም ወኪል ቢቢሲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ትሕብር።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ትግራይ፡ ምርጫ፡ ንዘይተወሰነ ግዜ ከም እተናውሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብታ ዝዓበየት ክልል ኢትዮጵያ ዝኾነት ኦሮሚያ፡ ክልተ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎም ሰልፊታት ነቲ ምርጫ ብምእጋዶም፡ ተኣማንነት ናይቲ ምርጫ ድሮ ኣብ ዓብዪ ሓደጋ ወዲቑ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ላዕለዎት ሰብመዚ ረድኤት ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ፡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጥሜት ተኸሲቱ ምህላዉ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
ኤጀንሲ ምክትታል ህጹጽ ሓደጋ ጥሜት ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ምድብ ሓሙሽተ (ካተጎሪ ፋይቭ) ዝምደብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጥሜት ተኸሲቱ ምህላዉ ምርግጋጹ፡ ሓላፊት USAID፡ ሳማንታ ፓወር፡ ገሊጻ’ላ። ብዘይካ’ዚ፡ ምቁራጽ ተዂሲ ክግበርን ሰራሕተኛታት ረድኤት፡ብዘይ ገደብ ናይ ምንቅስቓስ ዕድል ክወሃቦምን ፓወር ጸዊዓ።
ብመሰረት ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ (WFP)፡ 5.2 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ትግራይ፡ ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ።
መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ረድኤት ናብ ህዝቢ ከይበጽሕ መንገዲ ብምዕጻው ዕንቅፋት ይኾኑ ምህላዎም፡ ዝሓለፈ ሰሙን ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ምጥንቃቑ ዝዝከር እዩ።