ካብ ዕለት 07 ሰነ ጀሚራ፡ ሃገረ ስፓኛ፡ ንኹሎም ናብታ ሃገር ክበጽሑ ዝደልዩ ዝተኸትቡ ገያሾ፡ ኣፍደጊኣ ክፉት ክኸውን ምዃኑ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ፔድሮ ሳንቼዝ፡ ኣቢላ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ ይኹን እምበር፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጹ ገያሾ ግን ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሮም ናብታ ዓዲ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ፡ ስፖኛ፡ ሓቢራ።
ኣብ መጨረሽታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ቱሪዝም ኣብ ስፓኛ፡ ክሳብ 60% ወይ 70% ክበጽሕ ተስፋ ይገብር ክብል፡ ሳንቼዝ፡ ትምኒቱ ገሊጹ።