ኣብ ሃገረ ሃይቲ ተጨውዮም ኣብ ማሕዩር ዝጸንሑ ዓሰርተ-ኽልተ ሚስዮናውያን ምምላጦም ኣብ ኣመሪካ ዝመደብራ ሓንቲ ቤተክርስትያን ኣፍሊጣ።
እዞም ሚስዮናውያን ብለይቲ ኣንፈት ከዋኽብቲ እናሰዓቡ በረኻን ጣሻን እናጣሕሰሱ ከም ዝሃደሙ ኣፈኛ እታ ቤተክርስትያን ን ጋዜጠኛታት ሓቢሩ’ሎ። እዞም Christian Aid Missionaries ተባሂሎም ዝፍለጡ ጒጅለ ካብ ወርሓ ጥቅምቲ ኣትሒዞም ኣብ ትሕቲ ማሕዩር ጨወይቶም እዮም ጸኒሖም። ጨዋዪኦም ኣብ ፈለማ ንነፍሲ ወከፎም ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላር በጃ እዮም ሓቲቶም።
መዕበያ ዘኻትም እናበጽሑ ኣናሃለዉ ብጠቕላላ 17 ሚስዮናውያንን ቤተሰቦምን ተጨውዮም ምንባሮም ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ ሓሙሽተ ካብዚኣቶም ኣቐዲሞም ተፈቲሖም ምንባሮም ወሲኹ ኣመልኪቱ። ዛንታ እዞም ሚስዮናውያን ኣብ ሃገረ ሃይቲ እናበርከተ ይመጽእ ንዘሎ መጭወይቲ ሰባት ናብ ኣህጒራዊ ኣቓልቦ ክመጽእ ከም ዝደረኸ እቲ ዜና ኣመልኪቱ።