ሃንድልስባንከን ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ጨናፍሩ 800 ሰራሕተኛታት ከሰናብት እዩ ተባሂሉ። እዚ ድማ ኣብ ሽወደን ንዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ዝጸሉ እዩ ኮይኑ። በዚ ዘለዎ ኲነታት እዚ ባንክ ወጻኢታቱ ብ 1.5 ቢልዮን ክሮና ሽወደን ክንኪ ኣለዎ እዩ ዝበሃል ዘሎ። እዚ ምጒዳል ወጻኢታት ኣባላትን ኣማኸርትን ኣብ ባንክ ምግዳፍ ንዝብል ዘጠቓልል እዩ ክብል ዋና ኣካያዲ ሓቢሩ’ሎ። ስትርከርስትሮም ኣብ ሽወደን ዘለዉ ኣብያተ ጽሕፈታት ምንካይ ግቡእ ኣይኰነን ክብል ብምግላጽ፣
ሃንድልስባንከን ኣብ ሽዱሽተ ዞባዊ ዕዳጋታትን ስግር ባሕራዊ ስርሒታትን ብፍላይ ኒውዮርክን ላክሰምበርግን ከተኲር እዩ። ኣብ ስግር ባሕሪ(እስያ፡ ጀርመንን ሃገራት ባልቲክን )ዝርከቡ ስርሒታት ክዕጸዉን ወይ ክድስክሉ ምዃኖም ከኣ ተነጊሩ’ሎ። ብመሰረት ኤክርስትሮም ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ሃንድልስባንከን ጽቡቕ ዕቤትን ኣሳልጦን የርእዩ ምህላዎም ብምምልካት ካልኦት ዕዳጋታት ዴንማርክ፥ ፊንላንድ፥ ኖርወይ ሆላንድን ብሪጣንያን እውን ጽቡቕ ይስጒማ ምህላወን ገሊጹ’ሎ።
ዕዳጋ ትሕጃ ሓደ ካብ ሕመረታት ቢዝነስ እዚ ባንክ እዩ። እዚ ምስ ዘቤታዊ ሰራውር ሃንደልባንከን ኣጸቢቑ ዝሰማማዕ እዩ ኢላ። ጽልዋታት ምዕቋርን ምጒዳል ወጻኢታትን ኣብ ዓመተ 2022 ክውዳእ ትጽቢታት ኣሎ። እንተኾነ ግና ሓላፊ ፋይናንሳዊ ሕብረት ጒጅለ ሃንድለስባንከን ሽወደን ኣን ሄልምበርግ ምስ ኣገልግሎት ዜና ቲቲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ እዚ ንሰራሕተኛታት ዝጸሉ ተግባር እዩ ይብል። “ምስ ካልኦት ሃገራት ኣጠቓላሊ ስምምዕ የብልናን። ኣብ ሽወደን ግና ምስ ኣካየድቲ ስራሕ እቲ ባንክ ምርድዳእ ኣሎና” ድማ ኢላ። ወጻኢታት ዳግም ንምስራዕ ሳልሳይ ርብዓዊ ውጽኢት እዚ ባንክ ናይ 900 ሚልዮን ክሮና ዕዳ ከም ዝህልዎ ተመልኪቱ’ሎ።