ፖሊስ ኖርወይ፡ ናይ ኤሌክትሪክ ሽጉጥ ክዓጥቁ ምኳኖም መንግስቲ ኖርወይ ወሲኑ ክብል ማዕከን ዜን ተተ ኣቃሊሑ።
ናይ ኤሌክትሪክ ሽጉጥ፡ ብኣባላት ፍሉይ ሓይልታት ኖርወይ፡ ካብ ዓመተ 2019 ጀሚሩ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከምዝጀመረን ዛጊት ኣብ ኣርባዕተ ቀጽርታት ከምዝተፈተነ ይፍለጥ።
ብወገን ፖሊስ ክረኣዩ ዝኽእሉ ዘይተደልዩ ጎነጻት ንምውጋድ ተባሂሉ ዕላማ ዝተገበረ ውሳነ እዩ።
ናይ ኤሌክትሪክ ሽጉጥ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ንኣጽዋር ተኪኦም ከገልግሉ እኳ መደብ እንተሃለወ፡ ኣብ ኩሎም ኣጋጣሚታት ክትክኡ ከምዘይክእሉ ግን ርዱእ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ናይ ኤሌክትሪክ ሽጉጥ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ምስ ጀመሩ፡ መጠን ናይቲ ብሰንኪ ናይ ፖሊስ ኣጽዋር ዘጋጥሙ ጎነጽ ዝመለኦም ፍጻሜታት፡ ክውሕዱ ከምዝኽእሉ፡ ቦርድ ፖሊስ ኖርወይ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ጽሒፉ።
ገምጋማት ናይ ኤሌክትሪክ ሽጉጥ፡ ብኡምዮ ዩኒቨርስቲ፡ ከምዝተገብረ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ንፖሊስ ዝጥቀምሉ ናይ በርበረ ንጽጎ (pepper spray) ከግድሎ ከምዝኽእል ውን ገሊጹ።
ናይ ኤሌክትሪክ ሽጉጥ፡ ካብ ኣፋ፡ ንእሽቶ ኲናት ዘለዎ ናይ ኤሌክትሪክ ገመድ፡ ናብ ኣንጻር ወገን ብምውንጫፍ፡ ጉድኣት ብዘይብሉ ኣገባብ፡ ናይ ምልማስ መስርሕ ይካይድ።