ፖሊስ ነቲ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣፍደገ መስጊድ ስቶክሆልም፡ ዝተኻየደ ምቅጻል ቁርኣን ፍቓድ ምሃቦም ተፈሊጡ። እቲ
ክርስትያናዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎ መበቆሉ ካብ ዒራቕ ዝኾነ ኢ-ኣማኒ ነዚ ምቅጻል ቊርኣን ዘካይደሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ንእስልምና
ከም ሓደ ስነ-ሓሳብ ከም ዝቃወሞ ንምግላጽ እምበር፡ ምስ ኣመንቲ ምስልምና ዝኾነ ሽግር ስለ ዘለዎ ከም ዘይኮነ ገሊጹ’ሎ።
ኣብ ምጅማር እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ ፖሊስ ስቶክሆልም ስዒቡ ዝመጽእ ናይ ድሕነት ጒዳያት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቁርኣን
ዝቃጸለሉ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ፍቓድ ምሃብ ይኽልክሉ ምንባሮም ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ድሒሩ ግና ብውሳነ ቤት ፍርዲ፡ እቲ
ክልከላታት ዘይሕጋዊ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ።
ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን ኣብ ስቶክሆልም ኣፍደገ ኤምባሲ ቱርክ ዘካየዶ ምቅጻል ቊርኣን ዘጠቓለለ ተቓውሞ፡ ብ
ኣመንቲ ምስልምና ኣህጒራዊ ቊጥዐ ከም ዘስዓበ ዝዝከር እዩ።