ፖሊስ ሽወደን ኣብ ሄልሲንግቦርግ ዝጸንሐ ምጥሓስ ዕሸጋ መካይን ወይ ፓርከሪንግ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብዚ እዋን ክሳብ 335 ሽሕ ዝበጽሕ ሕጊ ዝጥሕስ ተግባራት ምፍጻሙ ድማ ጸብጺቡ። ብሰንኪ እዚ ምጥሓስ ሕጊ ሰብ መኻይን ኣስታት 185 ሚልዮን ክሮና ከምዝተቐጽዑ ዘመልከተ እዚ ሕጊ፣ ሰብ መካይን ብዛዕባዚ ክኸሓሱስ ይትረፍ፡ክሕበሩ እውን ከም ዘይተገብረ ኣመልኪቱ። እዚ ምምሕዳራዊ ሕጊታት ዘፍርስ ምዃኑ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ ሃልሲንግቦሪ ካብ 2010 ንደሓር ብሕታውያን ኲባንያታት ኣብዚ ምምሕዳር ዘሎ ናይ ምዕሻግ መካይን ኣገባብ ክቈጻጸራ ምጽንሐንን እቲ ግቡእ ግና እዚ ናይ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ዕዮ ምንባሩ ኣመልኪቱ። እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ሳመር 2019 ውሳነታቱ ምቕያሩን ካብ ጥሪ 2010 ክሳብ ሕጂ ዘለዉ ኣካይዳታት ሕጋዊ መሰረት ዘይብሎም ምዃኖም ምፍላጡን ድማ ሓቢሩ።