ፖሊስ፡ ነቲ ራሙስ ፕሉዳን ኣብ 29 ሚያዝያ ከካይዶ ዝሓተቶ ፍቓድ ሰልፊ ምኽልካሎም ቅኑዕ ኣይነበረን፡ ክብል ቤት ፍርዲ ምምሕዳራት ሽወደን ገሊጹ። ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ምዃኑ ዝንገረሉ ፓሉዳን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን መጽሓፍ ቚርኣን ዝቃጸለሉ ህዝባዊ ሰልፊ ንምክያድ፡ ፍቓድ ሓቲቱ ብ ፖሊስ ሽወደን ከም እተኸልከለ ዝፍለጥ እዩ። እንተኾነ ግና፡ እቲ ቤትፍርዲ፡ ፖሊስ ፓሉዳን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ያለቦ ከምኡ’ውን ኣንግርያድ ሰልፊ ከይገብር ምኽልካሉ ከም ዝሰማማዓሉ ገሊጹ’ሎ።