ኣብ መንግስቲ ዝረአ ዘሎ ቅልውላው፡ ናብ ዘይንቡር ምርጫ እንተድኣ ኣምሪሑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ኣሸጋሪ ክኸውን ምዃኑ ድምጺ መረጽቲ ዝቖጽር ሲፎ ዝተባህለ ትካል ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ፡ ነቲ ብጋዜጣታት ዮቶቦሪ ፖስተንን ስቨንስካ ዳግብላደትን ዝቐረበ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ኣቃሊሑ።
እተን ብመራሒ ሰልፊ ሞደራትና፡ ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ንዝምረሕ መንግስቲ ዝድግፋ ሰልፍታት ሞደራትና፡ ክሪስ ዲሞክራትና፡ ሊበራልናን ስቬርያ ዲሞክራትናን ኮይነን፡ 50% ድምጺ ዘዋህለላ እየን።
እተን ብመራሒ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ንዝምረሕ መንግስቲ ዝድግፋ ሰልፍታት ሶሻል ዲሞክራትና፡ ሚልዮፓርቲየት፡ ሰንተርን ቬንስተርን ኮይነን፡ 48.8% ዘዋህለላ እየን።
እቲ ፍልልይ ብጣዕሚ ውሑድ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ሚዛን፡ ካብ ጸጋማውያን ናብ የማናውያን ሰልፍታት ይዘጥጥ ምህላዉ ዘነጽር እዩ ክብል ሓላፊ ትካል ሲፎ ንጋዜጣ ስቬንስካ ዳግብላደት ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሰልፍታት ሊበራልናን ሚልዮፓርቲየትን ብዘለወን ብዝሒ ድምጺ፡ ካብ ኣባልነት ፓርላማ ዘውጸአን ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ እተን ንመንግስቲ ኦልፍ ዝድግፋ ሰልፍታት ብድምር 179 መናብር ክሕዛ እንከለዋ፡ እተን ንመንግስቲ ሎቬን ዝድግፋ ሰልፍታት ድማ 170 መናብር ዝሓዛ እየን ብምባል፡ ሲፎ፡ ጸብጻቡ ዛዚሙ።