ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ክሳለጥ ሓደ ወርሒ ጥራይ ተሪፉሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ፖለቲከኛታት ኣብ ዝህብዎ ቃል ኣዝዮም ጥንቁቓት እናኾኑ ይመጹ ምህላዎም ተገሊጹ።
መራሕቲ ፖለቲካ፡ ኣየናይ ሰልፊ ናብ መንግስቲ ክመጽእ ይደልዩ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝህልዎም መንግስቲ ከመይ ዝበሉ ጒዳያት ክህልዉ ይመርጹ ወይ ከትርፉ ይደልዩ፡ ንዝብሉ ሕቶታት ዘይንጹር መልሲታት ናይ ምሃብ ዝንባለ ይረኣዮም ኣሎ ክትብል፡ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ።
ነዚ ኲነታት ኣመልኪቱ፡ ኒኮላስ ኣይሎት– መምህር ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሱደርትሮም– “ኣብ ብዙሕነት ሰልፊታት ዝመሰረቱ ስርዓትና፡ ናብ ንቡር ኲነታት ንምለስ ምህላውና ዘመልክት’ዩ ክበሃል ይከኣል” ምባሉ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።