ሓድሽ ፕረዚደንት ዛምቢያ፡ ሂሺለማ፡ ሃብቲ እታ ሃገር ስለ ዝተራሰየ ባዶ ካዝና ከም ዝወረሰ ን BBC ሓቢሩ።
ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተገብረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንመወዳድርቱ ኤድጋር ሉንጉ ዝሰዓረ ሂሺለማ ፡ ሰባት፡ ኣብ ኣፋን ዕርበታን፡ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ከካይዱ ይፍትኑ ምህላዎም ኣመልኪቱ። ንሱ፡ ብስም እከለ እከለ ኢሉ ኣይጠቐሰን።
እንተኾነ፡ ሚኒስተር ሉንጉ፡ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ተግባራት ከም ዘይፈጸመ ክገልጽ ጸኒሑ’ሎ። ሚኒስተር ሉንጉ፡ ካብ 2015 ኣትሒዙ ነዛ ብማዕድን ኣስራዚ ዝሃብተመት ሃገረ ዛምቢያ መሪሑ እዩ። ኣብ ምርጫ ምስ ተሳዕረ ስልጣን ናብ ሂሽለማ ብዘይ ዕግርግር ክሰግር ብምግባሩ ናእዳ ምጥራዩ እውን ዝዝከር እዩ።
ሂሺለማ ናብ ስልጣን እንተመጺኡ ካብ ዝቃለሶም ነገራት፡ ሓደ፡ ብልሽውና ምዃኑ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ እታ ሃገር ዘለዋ ገዚፍ ናይ ወጻኢ ዕዳን ፋይናንሳዊ ቅልውላውን ከመዓራሪ ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ሎ።