ፕረሲደንት ኣመሪካ፡ ንመዘናኡ ብራዚላዊ ኻኢር ቦልሶናሮ፡ ኣብ ስርዓተ ምርጫ ዘሎ ተኣማንነት ብዋዛ ክጠፍእ ኣይትግበር ክብል ግልጺ መልእኽቲ ሰዲድሉ። እዚ መግለጺ ዝወጸ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ፡ ጄክ ሱሊቫን፡ ምስ ፕረሲደንት ብራዚል ብሓሙስ ድሕሪ ምርኻቦም እዩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ነቲ ሮይተርስ ናይ ቀረባ ምንጪታት ብምጥቃስ ዝሓበሮ መሰረት ብምግባር ኣቃሊሑ።
ዝርዝራት ናይቲ ርክብ፡ ኣብ ጋዜጣ ብራዚል ፎልሃ ዴ ሳንታ ፖሎ ወጺኡ ምንባሩ ይፍለጥ።
ቦልሶናሮ እዚ ዘሎ ኤለክትሮኒካዊ ስርዓተ ምድማጽ ንምትላል ዝተቓልዐ ስለዝኾነ ኣብ ብራዚል ዝግበር ምርጫ ብወረቐት ክግበር ኣለዎ ዝብል ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ሱሊቫን፡ ነዚ ጻውዒት ምኽንያት ብምግባር ከምዚ ዓይነት መርገጺ ንስርዓተ ምርጫ እታ ሃገር ዘቆናጽብ እዩ ክብል ነቒፍዎ’ሎ።
ቦልሶናሮ እዚ ስርዓት እንድሕሪ ዘይተቐዪሩ ንናይ ዝመጽእ ዓመት ውጽኢት ምርጫ ኣፍልጦ ከም ዘይህቦን ዳግማይ ምርጫ ክገብር ከም ዝኽእልን ኣሚቱ’ሎ። ነዚ መግለጺ ቦልሶናሮ ምስ ናይ ትራምፕ ዝመሳሰል እዩ፡ ኣጋውልኡ ኣብ መስርሕ ምርጫ ጥርጣረ ኽህሉ ንምግባርን ስዕረቱ ንምሽፋንን እዩ ክብሉ ተቐናቐንቱ ኣብ ሃቐናኡ ጥርጣረታት ከም ዘለዎም ይገልጹ ኣለዉ።
ናይ “ትሮፒክስ ትራምፕ” ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጥ፡ ቦልሶናሮ፡ ምስ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝምድና ስለ ዝነበሮ ንዓወት ጆ ባይደን ብጽቡቕ ካብ ዘይተቐበልዎ መራሕቲ ዓለምና ምዃኑ ይንገረሉ።