ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን መሻርኽታ ዝነበረት ሱዳንን ወጥሪ ተኸሲቱ እናሃለወ፡ ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ምስ መራሕቲ ሱዳን ንምርኻብ ትማሊ ሰሉስ፡ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ንምፍጻም ናብ ካርቱም ከምዝኣተወ ኣልጀዚራ ሓቢራ። ፕረዚደንት ኢሰያስ፡ ብሚኒስተር ወጻኢ ጒዳያት እታ ሃገርን ኣማኻሪኡን ተሰንዩ ነቲ ምብጻሕ ይፍጽም ምህላዉን ብሰሉስ ኣብ ኣህጒራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኻርቱም ብሓላፊ ሉኣላዊ ቆንስል ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ኣቀባብላ ከም እተገብረሉን ተፈሊጡ። ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ዝገበርዎ ዕጹው ኣኼባ ክልቲኣተን ሃገራት ዝምድንአን ዘመሓይሻሉን ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ጸጥታውን ወተሃደራውን ጉዳያት ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕ ከም ዝዘተዩን መግለጺ ቆንስላዊ ሉኣላውነት ሱዳን ብምጥቃስ ኣልጀዚራ ጸብጺባ’ላ።
ሚኒስተር ሓበሬታ ኤርትራ፡ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ፡ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ መልእኽቲ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ኣስፊሩ’ሎ። ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኢሰያስ፡ ምስ ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብዛዕባ ዞባዊ ምውህሃድ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም እተዛተዩን “ነዚ ሓፈሻዊ መረዳድኢ መትከል መሰረት ብምግባር ዝምድና ክልቲኣተን ሃገራት ንምጥንኻር ኣብ ጭቡጣትን ውሑዳት ፕሮጀክቲታት ኣተኲሮም ክሰርሑ ከም ዝግባእ” ገሊጹ’ሎ።