ሽወደን ኣብ ዘዋሪ ፕረዚደንትነት ሕብረት ኤውሮጳ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐትሉ እዋን ተዛዚሙ፡ ዝቕጽል ስልጣን ፕረዚደንትነት
ስጳኛ ተረኪባ’ላ።
"ህሉው ሓፈሻዊ ገምጋም፡ ፕረሲደንትነት ሽወደን ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣዝዩ ዕዉት ምንባሩ እዩ። ሽወደን ዘገም ኢላ እኳ
እንተጀመረት ኣብ መወዳእታ ፕረዚደንትነታ ግና ከምዛ ዝለዓለ ማርሻ ዘእተወት ፍጡን ናይ ምሕጋግን ፖለቲካዊ ውሳነታትን ዓሚማ
እያ" ይብል ወኪል ሬድዮ ሽወደን ኣብ ብራስለስ ኣንድርያስ ሊልጀሄደን። ሓደ ካብ ዓበይቲ ክትዓት ኣብ ጒዳይ ስደተኛት ዝረቐቐ ንድፊ
ሕጊ እዩ ኔሩ። ቆንስል ሃገራውያን መራሕቲ ነዚ ንድፊ ዘለዎ ደገፍ ምግላጹን ን ኽጸድቕ ና ብባይቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት ከም
እተላእከን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ሽወደን ኣብ ምንዳፍን ምእማንን ኣባል ሃገራት ዝለዓለ ተራ እያ ተጻዊታ።
እንተኾነ ግና ኣብ ጉዳያት ኣከባቢን ምስ ምግራብን ምሕዳስ ተፈጥሮኣዊ ኣከባቢን እተተሓሓዘ ዘይምርድዳእ ምስዓቡ ዝፍለጥ እዩ።