ትማሊ ሓሙስ ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንክሲ ን ባይቶ ሽወደን መደረ ኣስሚዑ። ንሱ ኣብ ዘስምዖ መደረ ሽወደን ንዝገበረቶ ሓገዝ ኣጽዋር ድሕሪ ምምስጋን ሽወደን ንዳግመ-ህንጸት ዩክሬይን ሓገዛ ክትቅጽል ሓቲቱ’ሎ። “ሽወደን ንዩክሬይን ዝዓበየ ሓገዝ ሂባ’ያ፡ በዚ ድማ ከመስግና እደሊ እየ” ክብል ዘለንስኪ ትማል ሓሙስ ን ባይቶ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መደረ ገሊጹ እዩ። ንሱ መደረኡ ብዛዕባ ሰማያዊን ብጫን ሕብርታት ክልቲኣተ ሃገራት ብምልዓል እዩ ጀሚሩ።
“ክልቴና ንናጽነትን ፍትሕን ማዕርነት ኲሎም ሰባትን እንቐውም ህዝቢ ኢና” ኢሉ። ወራር ሩስያ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሆስፒታላትን ትሕተ ቕርጺን ዩክሬይን ምዕናዉ እውን ኣመልኪቱ።
ዩክሬይን እንድሕሪ መኸተኣ ተሳዒሩ ክብርታት ናይተን ኣብ ናጽነት ዝነብራ ሃገራት ክጠፍእ እዩ ፡ ጎረባብቲ ሩስያ ኸኣ ኣብ ሓደጋ ክኣትዋ እየን ኢሉ። ሽወደን ድሕሪ ኲናት ኣብ ዝህሉ ዳግመ ህንጸት ዩክሬይን ሓገዝ ክትገብር፡ መላእ ሃገራት ምዕራብ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳታት ከንብራ ጸዊዑ’ሎ።
“ዘገረመኒ ነገር እንተሎ ፕረሲደንት ዘለንስኪ ኪንዮዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንመጻኢ ዝርኢ ምኳኑ እዩ” ክብል ኣፈኛ ባይቶ ሽወደን ኣንድርያስ ኖርሌን ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ላ።