ፕረሲደንት ቱኒዝያ: ቓኢስ ሳዒድ: ላዕለዎት ሰብመዚ ምስጓጒ ከም ዝቐጸለሉ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ::
ዓለም ብጒዳይ ቱኒዝያ ኣብ ሻቕላ ኣትዩሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን: ትማል ረቡዕ እውን ተወሰኽቲ ሰብ መዚ ብፕረሲደንት እታ ሃገር ስልጣኖም ክሓድጉ ተጌሮም ኣለዉ። ብመሰረት እዚ: ሓላፊ ተሌቪዥን እታ ሃገር: ሚኒስተር ምክልኻልን ፍትሕን ስልጣኖም ክሓድጉ ተኣዚዞም ኣለዉ።
ፕረሲደንት ሳዒድ: ተግባራቱ ምኽኑይ ንምግባር: ነቲ ኣብ ፍሉይ ኲነታት ፕረሲደንት ተወሳኺ ስልጣን ይወሃቦ ዝብል ዓንቀጽ 80 ቅዋም እታ ሃገር: ይጠቅስ እኳ እንተሃለወ: ሰብ ባይቶን ካብኡ ወጻኢ ዘለዉን ሰባት ግና ከም ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝርእይዎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እዚ ፕረሲደንት “ፍሉይ ኲነታት” ኢሉ ዝጠቕሶ ዘሎ: እንታይ ከም ዘጠቓልል ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። እንተኾነ ግና ኣብ ቱኒዝያ ገበን ጨሪሱ ዘይምጥፋኡ ሓደ ካብ ድርኺታቱ ምዃኑ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።