ፓይሎታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ (SAS)፡ ካብ ሰነ 29 ኣትሒዞም ኣድማ ከካይዱ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ። በዚ ኣድማ 250 መገሻታት፡ መዓልታዊ ድማ 45,000 ተጓዓዝቲ ክጽለዉ ይኽእሉ እዮም። መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ፋይናንሳዊ ሽግራት የጋጥሞ ምህላዉ፡ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ርብዒ ዓመት ጸብጻቡ ድማ ናይ 1.6 ቢልዮን ክሮና ክሳራ ከም ዘጋጠሞ ገሊጹ’ሎ። ምስቲ መንገዲ ኣየር ዝግበር ሓድሽ ሓባራዊ ስምምዕ ምፍራሱ ካብ ማሕበር ፓይሎታት ሽወደን ማርቲን ሊንድግረን ይገልጽ። መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ነዚ ምንቅስቓስ ንምርዳኡ ዘጸግም ክብል ገሊጽዎ’ሎ።