ዓለምና ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኲነታት ምህላዋ፡ ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣጠንቂቑ። ንሱ ትማል
ሓሙስ፡ ንብዙሕ ጒዳያት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ዋላኳ ንሃገሩ ኣህጒራዊ ተነጽሎ እንተስዓበላ፡ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ
ዩክሬይን ምኽኑይ ምንባሩ ገሊጹ’ሎ። ብዘይካ'ዚ መሻርኽቲ ሩስያ ካብ ምሕዝነት ሞስኮ ንኽሃድሙ ብምዕራባውያን ከቢድ
ሽርሒ ከም እተፈጸመ ወሲኹ ጠቒሱ’ሎ።
ዩክሬይን “ሬድዮ ኣክቲቭ” ባእታ ዘለዎ ቦምብ ክትጥቀም ትሸባሸብ ኣላ ክትብል ሩስያ ንዘቕረበቶ ክሲ፡ ኔቶ መሰረት ዘይብሉን ነቲ
ግጭት ንምዕራግን ዝተዋህበ ምስምስ እዩ ክብል ኣብ ምጅማር እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ከም ዝነጸጎ ዝፍለጥ እዩ።