ኣስታት ፍርቂ ካብ ሰብ ፊንላንድ ብሰንኪ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝመጽእ ለውጢ ከም ዘጨንቖም ብ “ሄልሲንጊን ሳኖማት”
ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣቃሊዑ። እታ ዕለታዊት ጋዜጣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ፡ 49 ሚእታዊት ካብቶም ኣብቲ
መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ “ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝመጽእ ለውጢ የፍርሃኒ እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ወይ
ብኸፊል ከምዝተሰማምዑ ገሊጾም ኣለዉ። እንተኾነ ግና እቲ ዝተረፈ ዝዓበየ ክፋል ህዝቢ ፊንላንድ በቲ ለውጢ ዝተሰናበደ
ኣይመስልን። 41 ሚእታዊት ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት፥ ምስቲ መግለጺ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ከም ዘይሰማምዑ
እዮም ዝገልጹ።
እቲ ምላሽ ብመሰረት ዕድመ፣ ጾታን ውድባዊ ምትእስሳርን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ዝተፈላለየ ምዃኑ ሄልሲንጊን ሳኖማት ገሊጻ።
ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ንደቂ ተባዕትዮ፡ ብዕድመ ድማ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም፥ ከምኡ’ውን
ንደገፍቲ ሰልፊታት ማእከልን ሶሻል ዲሞክራት ጠንቂ ስክፍታ ኮይኑ’ሎ። ኣስታት 40 ሚእታዊት ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት፡
ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ሓድሽ ዕድላት ክኸፍት እዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘለዎም ኣመልኪቶም ኣለዉ።
መብዛሕትኦም ፊንላንዳውያን፡ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ከም ሓደጋ ዘይኮነስ ከም ዕድል ከም ዝወስድዎን፡ 45 ሚእታዊት ካብቶም
መልሲ ዝሃቡ ሰባት ናብ ዕድል፡ 34 ሚእታዊት ድማ ናብ ስግኣት ከም ዝጽግዑን እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ኣረጋጊጹ’ሎ።
መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ነቲ ቴክኖሎጂ ካብ ስግኣት ንላዕሊ ከም ዕድል ክወስድዎ እንከለዉ፡ ደቀንስትዮ ግና ኣብዚ ጒዳይ
ዝያዳ ዝተመቓቐላ ኮይነን፡ 38 ሚእታዊት ዕድል እዩ፡ 37 ሚእታዊት ከኣ ስግኣት እዩ ዝብል ሓሳብ ሂበን። ሄልሲንጊን ሳኖማት
ኣብ ኣጠቓቕማ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣየናይ ፍቑድ እንተኾነ ትመርጹ ዝብል ሕቶ ኣቕሪባ ኔራ። እቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት
ብፍላይ ኣብ ኣውቶማቲካዊ መስርሕ ምፍራይ፣ ስርዓተ ምትማን ዋጋ፣ ምእላሽ ሓበሬታን ፕሮግራማት ሶፍትዌርን ኣርቲፊሻል
ኢንተለጀንስ ኣብ ኣገግሎት ክውዕል ከም ዝድግፉ ገሊጾም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕብረት ኤውሮጳ ንኢንዱስትሪ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣመልኪቱ፥ ንምቊጽጻሩ ዘኽእል ቅርጺ ይነድፍ ኣሎ
ክትብል ሄልሲንኪ ታይምስ ወሲኻ ጸብጺባ’ላ።