ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ፍልማዊ ትምህርቲ ህጻናት ዘሎ ሕጽረት ብቚዓት መማህራን ኣመልኪቱ ግብራዊ ፍታሕ ክገብር ሽዱሽቲአን
ዝዓበያ ከተማታት ፊንላንድ ጻውዒት ኣቕሪበን። ኣብዘን ከተማታት ልዕሊ 2,600 ዝኾኑ መማህራን ኣጸደ ህጻናት ምህላዎም
ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ 2018 ዝወጸ ኣዋጅ “ፍልማዊ ትምህርቲ ንቖልዑ” ኣብ መውዓሊ ህጻናት ዝሰርሑ ብቚዓት ሰብ ሞያ
ክውስኹ ደንጊጉ ምንባሩ ማዕከን ዜና “ሀልሲንኪ ታይምስ” ኣዘኻኺራ። ኣብ መውዓሊ ህጻናት ዝቚጸሩ መማህራን፥ በዚ ሞያ
ወይ ብ “ማሕበራዊ ስራሕ” ብቕዕት ዘለዎም ክኾኑ ዝብል ምስምማዕ እኳ እንተሃለወ፥ እዚ ኲነታት ን ህሉው ሕጽረት
መማህራን መሊሱ ዘጋድድ ከይከውን ሻቕላ ዛዪዱ ምህላዉ፥ እታ ማዕከን ዜና ወሲኻ ገሊጻ።
ሽዱሽቲአን ዝዓበያ ከተማታት ፊንላንድ ልዕሊ 9,000 ዝኾኑ ሓደስቲን ብ ምስትምሃር ቆልዑ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ሰርቲፊኬት
ዘለዎም ሰብ ሞያ እየን ዝጠልባ ዘለዋ። ጠንቂ ናይዚ ኣብ ፊንላንድ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ብቚዓት መማህራን፥ ብፍላይ ካብ
1990ታት ንደሓር ናብኡ ዝመጹ ቆልዑ ብቚጽሪ ኣዝዮም እናወሰኹ ምምጽኦም ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። እዚ እንድሕር ብኣግኡ
ዘይተፈቲሑ፥ ከተማታት ፍልማዊ ትምህርቲ ቆልዑ ክህባ ከም ዘይክእላ፡ እዚ ድማ ኣብ ቆልዑ፡ ስድራቤቶምን ዕዳጋ ሽቕለትን
ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ከም ዝኽእል፥ እታ ማዕከን ዜና ን ዳይረክተራት እዘን ኣብያተ ትምህርት ብምጥቃስ ሓቢራ’ላ።