ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ፔካ ሃቪስቶ ዝቕጽል ፕረሲደንት እታ ሃገር ክኸውን ሰፊሕ ህዝባዊ ደገፍ ከም ዘለዎ ተፈሊጡ።
ክካይድ 8 ኣዋርሕ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ምርጫ ፊንላንድ ኣመልኪታ YLE ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዘካየደቶ ዳህሳስ ካብ ዝቐረቡ 38
ሕጹያት ተወዳደርቲ ሃቪስቶ ብ 28% ካብ ተሓተትቲ ፕረሲደንት ክኸውን ከም ዝምረጽ ኣጣሊላ። 15% ን ኣባል ሰልፊ ማእከላይ
ኦሊ ሬን ክመርጹ እንከለዉ፥ 13% ድማ ን ዳይረክተር ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ፊንላንድ ሚካ ኣልቶላ መሪጾም ኣለዉ። ኣብ
ዝመጽእ ጥሪ 28, 2024 ፊንላንድ ሓፈሻዊ ምርጫ ከተካይድ እያ።