ምስ ምምጻእ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን BA.5፡ ኲነታት ለበዳ ኮሮና ፊንላንድ ሕጂ’ውን ኣሻቕሊ ኮይኑ ምህላዉ ክኢላታት ፊንላንድ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።
ኣብ ወርሓ ሰነ፡ ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ፊንላንድ ሄልሲንኪን ዉሲማን፡ ጅር BA.5 ዓብላሊ ኮይኑ ክወጽእ ከም እተራእየ፡ ሄልሲንጊን ሳኖማት ትማል ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ኣብቲ ላቦራቶሪ ካብ ዝተመርመሩ እቶም 42% በቲ ለበዳ እተለኽፉ ኮይኖም ከም እተረኽቡ፡ ዳይረክተር ማእከል መርመራ ሕማማት ሃስ ላስ ላህቶነን፡ ትማል ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር ጽሑፍ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። 88% ካብዚኣቶም፡ በቶም ኣዝዮም ተላበድቲ ጅራት BA.5 ወይ BA.4 ዝተኸስቱ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ፊንላንድ፡ ቊጽሪ ለበዳ ገና ክውስኽ እዩ ዝብል ትንበያ እኳ እንተሎ፡ መርመራ ዘይገበሩን ተለኺፎም ኣብ ቤቶም ዘለዉን ዜጋታት ብምህላዎም፡ ነቲ ልክዕ ኣሃዝ ምቕማጥ ከም ዝኸብድ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።