ሽወደንን ፊንላንድን ተመሳሳሊ ቊጠባዊ ብድሆታት ከም ዘለወን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።እዚ እናኾነ ክኢላ ስነቚጠባ ፊንላንድ ን ጋዜጣ ሳኖማት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሽወደን ካብ ካልኦት ሃገራት ሰሜን ብዝተፈልየ ቅልጣፈ ቊጠባዊ ሕውየት ከተመዝግብ ክትክእል እያ ኢሉ። ፕሮፌሰር ስነቚጠባ ማቲ ቡህዮላ ብወገኑ ሰፊሕን ፍርያምን ዲጂታላዊ ዕዳግ ሽወደን ቊጠባ እታ ሃገር ቀልጢፉ ንኽሓዊ ዓቢ ተራ ክህልዎ እዩ ኢሉ።
ብዘይካዚ ዋና ክኢላ ስነቚጠባ ባንክ ሽወደን ኣይዲ ሹማን ሽወደንን ፊንላንድን ብተመሳሳሊ ፋይናንሳዊ ቅልውላው እኳ እንተተጠቕዓ ፊንላንድ ገለ ትካላት ሕብረተሰብ ምዕጻዋ ዝፍለጥ እዩ። ባንክ ሽወደን ሓፈሻዊ ኣታዊ ፊንላንድ ብ 6% ክሽምረር ናይ ሽወደን ከኣ ብ5% ከንቈልቊል እዩ ዝብል ግምት ከም ዘለዎን ኣመልኪቱ ኔሩ። ብዙሓት ሽወደናውያን ካብ ስርሖም ይሰናበቱ ምህላዎም እንተኾነ ግና ኣብ ፊንላንድ ዘሎ ኲነታት ንስኡናት ስራሕ ዝያዳ ውሕስነት ዝህብ ምዃኑ ድማ ተገሊጹ። ብኻልእ መዳይ ቊጠባ ሽወደን ምስ ካላኦት ሃገራት ኖርዲክ ብምውድዳር ዴንማርክ ብዙሕ ከም ዘይህሰ ተመልኪቱ።