ኣብ ፈረንሳ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ምክያድ ይርከብ።
ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዙር 12 ሕጹያት ክወዳደሩ እንከለዉ፡ እቶም ክልተ ዝልዓለ ድምጺ ዝረኸቡ ተወዳደርቲ ናብ ካልኣይ ዙር ሓሊፎም ኣለዉ።
ንፈረንሳ ንኻልኣይ እግሪ ንኽመርሓ ዝወዳደር ዘሎ ፕረዚደንት ኢማንወል ማክሮንን መራሒት ጸጋማዊ ክንፊ ማሪን ሌ ፔንን እቶም ናብ ዝቅጽል ዝሓለፉ ክልተ ቀንዲ ተወዳደርቲ ኮይኖም ኣለዉ።
ማሪን ሌ ፔን ሕጂ ንሳልሳይ ግዚኣ ንፕረዚደንትነት ትወዳደር ዘላ ፖሎቲከኛ’ያ።
ትማሊ እቶም ክልተ ቀንዲ ተወዳደርቲ ምስ ተፈለጡ [ማክሮን 27.6 ሚኢታዊት ብምምጻእ ማሪን ሌ ፔን ኸኣ 23.41 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ]፡ ኢማንወል ማክሮን ንደገፍቱ “ፈጺምኩም ከይትጋገዩ፡ ዝተረጋገጸ ነገር የለን” ብምባል ኣብቲ ካልኣይ ዙር ኩሉ ንዕኡ ከድምጽ ጸዊዑ።
እዞም ክልተ ፖሎተኸኛታት ካብቶም 12 ሕጹያት ዝለዓለ ፍምጺ ስለዝረኸቡ’ዮም ናብ ካልኣይ ዙር ክሓልፉ ክኢሎም።
ኢማንወል ማክሮንን ሌ ፔንን ካብ ሕጂ ጀሚሮም ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ጀሚሮም ኣለዉ።
ማሪን ሌ ፔን ካብ ናይ ማክሮን ሰልፊ ወጸኢ ዘለዉ ኩሎም ፈረንሳውያን ንዓኣ ከድምጹ ትምሕጸን ኣላ።
ፕረዚደንት ኢማነወል ማክሮቶን ኣብ ታሪኽ ፈረንሳ ብዕድመ እቲ ዝንኣሰ ፕረዚደንት እዩ።
ማክሮን ወዲ 39 ዓመት እንከሎ’ዩ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኮይኑ ተመሪጹ።
ማሪን ሌ ፔን፡ ንፈረንሳ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ንምውጻኣ ረፈረንደም ክግበር ዝብልን ናብ ፈረንሳ ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምጉዳልን ዶባታ ንስደተኛታት ዕጹው ናይ ምግባርን ዝብል ቀንዲ ሒዛቶ ዘላ ዛዕባታት’ዩ።
ካልኣይን መዛዘምን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ፈረንሳ ድሕሪ ክልተ ሰሙን 24 ሚያዝያ ክካየድ’ዩ።
BBC TIGRINJA