ቀዳማይ ሚኒስተር ኦስትራልያ ብዛዕባቲ ዝተሰረዘ ውዕል ሳብማሪናት ናይ ሓሶት ሓበሬታ እዩ ሂቡና ክብል ፕረሲደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣቃሊዑ።
ማክሮን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣመለኛ ሓሳዊ እዩ ማለት ድዩ? ንዝብል ሕቶ “ዝፈልጦ የብለን” ክብል መሊሱ’ሎ።
ኦስትራልያ 12 ሳብማሮናት ንምህናጽ ምስ ፈረንሳ ዝኣተወቶ ናይ 37 ቢልዮን ዶላር ሰሪዛ ምስ ኣመሪካ ሓድሽ ውዕል ምክልኻል፡ምኽታማ ንማክሮን ኣቖጢዑ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።
ሞሪሰን ብወገኑ ኣይሓሰኹን ክብል ነቲ ክሲ ክሒድዎ ኣሎ።