ምክባር ባህሊ መዓልቲ ኣቦ ኣብ ሽወደን ካብ ኣመሪካ እዩ ተወሪሱ:: ተቀማጢት ግዝአት ዋሺንግቶን ስፖንዋ ዝኮነት ስማርት ዶዶድ ካብ ናይ መዓልቲ ኣደታት ዝመጸላ ሓሳብ እዩ:: ኣደ ሶነራ ኣብ ግዜ ሕርሲ ሻድሻይ ቆልዓ ኪትወልድ ዓሪፋ:: ሶነራ ድማ ሓንቲ ጛል ነቡኣ ዊልያም ጃክሶን ብምንባራ ን ኣቡኣ ኣብ ምዕባይ የሕዋታ ሓጊዛቶ:: ሶነራ ነቡኣ በይኑ ንኩሎም ስለዘዕበዮም ንዑ ንምዉዳስ ድማ ናይ ትውልዲ መዓልቲ ኣቡኣ 5 ሰነ መዓልቲ ኣቦታት ክትበዓል መሪጻታ:: ብዝተፈላለየ ምክንያታት ግን አብታ ዕለት ሶነራ ዝመረጸታ ዘይኮነት ኣብ 19 ስነ 1910 ናይ መጀመርታ መዓልቲ ኣቦ ተከቢራ ዉዒላ:: ዝተፈላለያ ጋዘጣታትን ማሕበራትን ነታ መዓልቲ ብድምቐት ኪትሓልፍ ደጊፈን።እታ መዓልቲ ድማ ልኽዕ ከም መዓልቲ ኣደ ተከቢራ ውዒላ::
ሶነራ ሊዊስ ዶድ ነታ መዓልቲ ንምክባር ዝመረጸቶ ድማ ዕናባባ አዩ ነሩ። ቀይሕ ኣብ ብህይወት ዘለው ጻዕዳ ዕንባባ ድማ ን ብህወት ዘየለዉ ኣቦታት ። መዐልቲ ኣቦ ኣብ ሽወደን ካብ 1931 ጀሚሩ ክበዓል ጀሚሩ። ሽቃጦ ድማ ካብዚ በዓል ተረባሕቲ ኮይኖም ምክንያቱ ኣብ ሽወደን ኣብ ካልኣይ ሰንበት መዓልቲንታሕሳስ እዩ ዝክበር። ወርሒ ታሕሳስ ድማ ኣብ ሽወደን ዝሰሓወ ባዓላት ዘለዋ ወርሒያ።
ትርጉም ካብ መርበብ ሓበሬታ : https://historiesajten.se/handelser2.asp?id=54