ካብዚ ብምብጋስ ድማ እዮም ክኢላታት፡ ልዑል ጸቕጢ ደም ንምጉዳል ዝሕግዝ ሓድሽ ዝኾነ ፍሉይ ኣመጋግባ ንምርካብ ክሰርሑ ዝጸንሑ።
እዚ ጥረታት (Nuts) ዓቢ ተራ ዝጻወተሉ ፍሉይ ዓይነት ኣመጋግባ ጥዑይ ልቢ ንኽህልወካ ዝሕግዝ እዩ። ግን ብኸመይ ኣገባብ?
ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት፡ ኣሜሪካውያን ክኢላታት DASH ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ፍሉይ ኣመጋግባ ኣቃሊሖም (ዘርጊሖም) ነይሮም። DASH፡ ጥዑይ ልቢ ንኽህልወካ ዝሕግዝ ዓይነት ኣመጋግባ ምዃኑ ስዒቡ ብዝተፈላለዩ እሙናት መጽናዕታት ከምዝተረጋገጸ ይፍለጥ። እዚ ፍሉይ ኣመጋግባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መግቢ ዝምርኮስ ኮይኑ ከም ኣሕምልቲ፡ ፍሩታታት፡ ጥረታት፡ ውሑድ ወይ ቅብኣት ዘይብሎም ዓይነት ጸባ፡ ዓሳታት፡ ደርሁር፡ Nuts ን ናይ ኣትክልቲ ዘይቲን ዘጠቓለለ እዩ።
ሓደ ሰብ ካብዞም ዝተጠቕሱ ዓይነታት መግቢ መዓልታዊ ብዝተወሰነ ዓቐን ክምገብ ከምዝግባእን ንዘህልኾ መጠን ጨውን ሽኮርን ብዝዓበየ ደረጃ ብምቕናስ ሚዛን ሰብነቱ ኣጉዲሉ ነቲ ኣብ ልዕሊ ልቢ ወሪዱ ዘሎ ጻዕቂ ስራሕ ከቃልል ይኽእል።
እዚ ዓይነት ኣመጋግባ፡ ሓደ ወዲ ሰብ ኣሕምልቲ ጥራይ ንኽበልዕ ዝግድድ ዘይኮነ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ዓይነት መግብታት ብቑሩብ ዓቐን ንኽወስድ ዘኽእል እዩ። ኣብ ውሽጢ 8 ኣዋርሕ ውጽኢቱ ዝረአ እዩ።
እዚ ዓይነት ኣመጋግባ፡ ብፖታስዩም፡ ማግነዝዩምን ፋይበርን ሃብታም ስለዝኾነ ጸቕጢ ደም ኣብ ምጉዳልን ስርዓተ ዑደት ደም ኣብ ምስትኽኻልን ከምዝሕግዝ እቶም ናይ መግቢ ክኢላታት ይሕብሩ።
እዞም ዝተጠቕሱ ዓይነታት መግቢ ከይተኸሸኑ ናብ ኣካላት ወዲ ሰብ ክኣትዉ ከምዝግባእ እቶም ተመራመርቲ የረጋግጹ። እቶም ካልስዩምን ማግነዝዩምን ብመንገዲ ከኒና ናይ ምውሳድ ወልፉ ዘለዎም ሰባት ከምቲ ብመንገዲ ፍሉይ ኣመጋግባ ዝርከብ ውጽኢት ከምዘይረኽቡ ብመንገዲ ጀርመናዊ መርበብ “ቦንታ” ዝተገብረ ምርምር ሓቢሩ።
ከምቲ ስጋን ውጽኢታቱን ምብላዕ ኣቋሪጾም ናብ ሓምሊ ምብላዕ ጥራይ ዝሰጋገር ኣካላት ዘስዕበሎም ዓቢ ጽልዋ ወይ ለውጢ፡ እዚ DASH ዝተሰምየ ኣገባብ ኣመጋግባ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ወዲ ሰብ ዘስዕቦ ጽልዋ ወይ ለውጢ ብዙሕ የለን። ሓደ ወዲ ሰብ እቲ ዘህልኾ ዝነበረ መጠን ጨው፡ ሽኮርን ናይ እንስሳ ቅብኣን ምስ ዘጉድል ንመዐቀኒታት DASH ስለዝበቅዕ ኣብ ጥዕንኡ ለውጢ ክርኢ ክጅምር እዩ ይብሉ እቶም ተመራመርቲ።