ኣኽበርቲ ሕጊ ጣልያን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሰሜናዊ ሊብያ ስደተኛታት ኣሳቒኹም ብዝብል ጥርጣረ ንሰለስተ ሰባት ብሰኑይ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። እዞም ዜግነቶም ጊናዎ ግብጻዊን ዝኾኑ ተኸሰስቲ ዕድሚኦም 22 24 ን 26 ኮይኑ፣ ኣባላት ናይቶም ዛጊት ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ዘሳቕዩ ጒጅለ እዮም ተባሂሉ’ሎ። እዞም ሰለስተ ተኸሰስቲ ብኻልኦት ኣብ ዛዊያ ተኣሲሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ክልለዩ ከም እተገበረን ኣኽበርቲ ሕጊ እኹል ምስክርነታት ምእካቦምን ገሊጾም ኣለዉ።
ሓደ ካብቶም መሰኻኽር ” ኣ ሰብነቱ በሰላ ዝገደፈሉ ሕማቕ ማህረምቲ” ከም ዘውረዱሉ ቃሉ ምሃቡ እውን ተመልኪቱ’ሎ። እሱራት ኣብ ሓደ ነዋሕቲ መናድቕ ዘለዎ ቦታ ከም እተሓየሩን በብዓሌቶምን ጾታኦምን ተመዲቦም ብዕጡቓት ይሕለዉ ምንባሮምን ከኣ ቃሎም ሂቦም ኣለዉ። ሓላፊ ናይቶ ማእከል ሓጺርን በራሕን ዑስማን ዝስሙ ሊብያዊ ኮይኑ ብሕሱም ጭካኔኡ ብኹሉ ይፍራህ ምንባሩ ኣመልኪቶም።
ብተወሳኺ መቕተልቲ ደቀንስትዮ’ውን ብስርዓታዊ ኣገባብ ጾታዊ ምድፋር ይገጥመን ምንባሩን ሓውሉ እናተባህሉ ንስድራኦም ናይ ራዕዲ መልእኽታት ይበጽሖም ከም ዝኾነን ነዚ ዘይትግብሩ ድማ ኣደዳ ሞት ይኾኑ ምንባሮም ኣመልኪቶም ኣለዉ። ኣኽባር ሕጊ ከተማ ኣግሪጄንቶ ደሴት ሲሲሊ ሉዊጂ ፓትሮናጂዮ” እዚ ኣቓልቦ ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ዝጠልብ ባርባራዊ ኣገባብ እዩ” ክብል ቅሬታኡ ገሊጹ’ሎ።