ካሜሮን 4 ኢትዮጵያ 1
ናይ ምድብ ካልኣይ ጸወታ ኣብ ሞንጎ ኣአንጋዲት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2022ን ኣብ ቀዳማይ ጸወተኣ ብ ቦርኪናፋሶ ዘይተጸበየቶ ብድሆ ዝገጠማ ን ግን ዘረኸበተን 2 ፍጹማት ቅላዕ ተጠቒማ ነዚ ምድብ ትመርሖ ዘላ ተፈራሒት ጋንታ ካሜሮንን ኣብ ሞንጎ እታ ኣብ ቀዳማይ ጸወተኣ ን 80 ደቓይቕ ብ 10 ተጻወቲ ብዙሕ ዘየኽፍእ ጸወታ ዘርኣየትን ብ 0 ነጥቢ ኣብ ራባዓይ ደረጃ ዘላ ጎሬቤታችን ሃገር ኢትዮጵያ እዩ ተኻይዱ።
ጸወታ ጅምር ምስ ኣበለ ገና 3 ደቒቕ ከይተላዕሎ ኣጥቃዓይ ኣማኑኤል ገ/ሚካኤል ዝቖረጻ ኣጥቃዓይ ሆቴሳ ብ የማናይ እግሩ ዝቐልዓ ተራር ሽቶ ምስ ሰኪዐት ተጸንቢራ እዛ ሽቶ በቶም ዝንዓቕዎም ብ ቕሞና ድቕቕ ዝብሉ ምምዝጋባ ተጻወትቲ ካሜሮን ፍጹም ኣይተዋጠሎምን።
ካሜሮን 0 ኢትዮ 1
ኤዮጵያውያን ገና ሓጎሶም ከይወድኡ ግን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ካሜሮን ኣናወጾም ኣብ 7 ደቒቕ ሞቲንግ ዝቖረጻ ኣቡባከሪ እኮ እንተ ፈተና ሽቶ ኣይተመዝገብትን ድሕሪዛ ፈተን ግን ኮሊንስ ፋይ ብ ጸጋማይ ክንፊ ዝቖረጻ ካርል ኢካምቢ ብ ርእሱ ገጭዩ ምስ ሰኪዐት ጸንቢርዋ ጸወታ ዘየከም ትጽቢት ብዙሓት ባል ባል ይብል።
ካሜሮን 1 ኢትዮ 1
ድሕሪ እዛ ሽቶ ካሜሮናውያን ን ጸወታ ምሉእ ብ ምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእትዮም መጥቃዕታቶም ቀጺሎም።
ኣጥቃዕቲ ኣቡበከር ናስርን ኣማኑኤል ውን በ ብ እዋኑ ፈተነታት ኣካይዶም እኮ እተነበሩ ክሰልጦም ግን ኣይክኣለን።
ጸወታ ብ ዓብላልነት ካሜሮን ይቕጽል ኢትዮ ድሕሪ መበል 40 ደቒቕ ኩዕሾ ኣብ ትሕቲ ቅጽጾሮም ኣእትዮም ጽቡቕ ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ኔሮም እነተኾነ ግን ቀዳማይ እብረ ብዘይ ዝኾነ ተወሳኺ ሽቶ 1-1 ን ዕረፍቲ ወጽየን።
ኣሰልጣኒ ሃ.ጋ ኢትዮጵያ ውበቱ ኣባተው ን ኣብ ቀዳማይ እብረ ብጫ ካርድ ዝረኸበ ኣከፋፋሊ ሱራፍኤል ዳኛቸው ብ ፍሬው ሰለሙን ቀይሩ እዩ ን ካልኣይ እብረ ጀሚርዎ።
ፍሬው ውን ብዙሕ ከይጸንሐ እዩ ብ ሮመዳን የሱፍ ዝተቖርጸትሉ ኩዕሾ ን ጎል ፊትንዋ ክሰልጦ ግን ኣይክኣለን።
ድሕሪዚ ካሜሮናውያን ገርጊሮም ኣይትኻኣሉን እቲ ምስ ስዑዳዊት ክለብ ኣል ነስር ዝጻወት ቪንሰንቲ ኣቡበከር ፍጹም መትሓዚ ተሳኢንዎ ኣብ መበል 52 ፋየ ዝቖረጸሉ ብ ርእሱ ገጭዩ ምስ ሰኪዐት ክጽንብራ ከሎ ብዙሕ ከይጸንሐ ውን ኣብ መበል 54 ደቒቕ ብ ናግምሉ ዝተላእከትሉ ብ ጸጋማይ እግሩ ቐሊዑ ንዑኡ ካለአይቲ ን ሃገሩ ሳልሰይቲ ሽቶ ኣመዝጊብዋ።
በዚ እውን ዝዓገቡ ዘይመስሉ ካሜሮናውያን ኣብ መበል 66 ደቒቕ በቲ ጽቡቕ ምንቅስቓስ ከርእይ ዝዋዓለ ኣጥቃዓይ ፈረንሳዊት ክለብ ሊዮን ኢካምቢ ሆንገላ ብ ማእከል ዘሕለፈሉ ኩዕሶ ንምኞት ደበበን ኣስቻለው ተመነን ኣሽኪዑ ብ ፍጥነት ጽብቕቲ ንዑኡ ካለአይቲ ን ሃገሩ ራበዕይቲ ጎል ኣመዝጊቡ።
ድሕሪዛ እዛ ሽቶ ካልእ ሽቶ ስለ ዘይተወሰኸ ገና ናይዚ ምድብ ጸወታት ከይተዛዘመ ከሎ ካሜሮን ምሕላፋ ዳርጋ ከትረጋግጽ ከላ ኣስጦብያ ዓባይ ክኣ ፍላይ ምግባራ ዳርጋ ኣረጋጊጻ።
ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀዳማይ እብረ ዘርኣይዎ ብቕዓት ከይድነቕኩ ክሓልፍ ኣይደልን ወድሓንኩም ጉዕዞና ምሳይ ምስ ወዲ ሳርቶ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ቀጻሊ እዩ ኣንድያሞ ጥራይ።