ሃገራት ኣብ ከከባቢአን፡ ንዝተፈላለየ ዕላማ ሕብረት ክፈጥራ ይረኣያ። ገሊኡ ንግዳዊ ጥፈታት ንምስላጥ፡ ገለ ምጣነ ሃብታዊ ሓይሊ ንምፍጣር ይቐውም።
ገለ ሃገራት ኣብ ሰላመንን ድሕነተንን ስግኣት ክፍጠር እንከሎ፣ ኣብ ገለ ድማ ብናይ ሓባር ጸላኢ ክህደዳን ክርዕዳን እንከለዋ ሓባራዊ ኪዳን ይፈጥራ።
ኔቶ ከም ኣብነት
ሕብረት ሶቭየት ቅድሚ 70 ዓመት ዝፈጠረቶ ስግኣት፡ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ -ኔቶ ፈጢሩ።
ሕብረት ሶቭየት፡ ፈሪሳ ናብ 15 ሃገራት ተመቓቒላ።
ኔቶ ግን ብኣንጻሩ ዝያዳ እናሓየለ፡ ካብተን መስረትቱ ዝነበራ 12 ሃገራት፡ ኣብዚ እዋን 30 ሃገራት ዝሓቘፈ ኪዳን ኰይኑ’ሎ።
ሕጂ ድማ፡ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ስግኣታት ኣባላት ክዀና ብዝደልያ ሃገራት ተዋጢሩ’ሎ።
ኔቶ ብሓጺሩ፡ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ተፈጢሩ ኣብ ድርኲኺት ሳልሳይ ኲናት ዓለም ዘሎ ትካል እዩ።
ዕላማአንን ተግባረንን፣ ኣወዳድባአንን ተልእኾአንን ዝፈላለ ደኣ ይዅን እምበር፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ‘ኢኮዋስ’ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ [ዋላ’ኳ ንጡፍ እንተዘይኰነ] ኢጋድ ኣሎ።
ኣብዚ ሰሙን ዝተቐልቀለ ‘መድረኽ ምትሕብባር ቀይሕ ባሕሪ’ ዝበሃል ሕብረት ግን መዛረቢ ኰይኑ’ሎ። እዚ ሕብረት ግን ንኢትዮጲያ ስግኣት ድዩ?
BBC TIGRINJA