ጋን፡ ዝኾነ ዘይተኸትበ እዂል ሰብ፡ ናብ ሃገራ ከይኣቱ ብምእጋድ ኣብ ዓለም እቲ ዝተረረ ሕጊ ጒዕዞ ከተተኣታቱ ምዃና ተገሊጹ።
ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ዜጋታትን ነበርቲን ጋናውያን፡ ንኽልተ ሳምንታት፡ በዚ ሕሂ ከይተጸዉ ክጸንሑ ምዃኖም፡ እንተኾነ ግና ኣብ ምእታዎም ግድነት ክኽተቡ ምዃኖም እቲ ሓድሽ ሕጊ ደንጊጉ’ሎ።
ምስ ምእታው በዓል ልደት፡ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ፡ ኣዝዩ ንኸይልዕል ብዘለዎም ስግኣት፡ ነዚ ተሪር ሕጊ ምትእትታዎም ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ።
ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ሓዊስካ፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ብኣልማማ ንዘይተኸትቡ ሰባት እገዳ ጒዕዞ ምግባር ኣብ ዘወገዳሉ እዋን እያ ጋና ነዚ ሕጊ ከተተኣታቱ ትዳሎ ዘላ።