ኣብ ጊኒ ድሕሪ 2016 ዛጊት ኣርባዕተ ሰባት ብሕማም ኢቦላ ምሟቶም ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ብቐዳም ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ሬሚ ሌማህ ን ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረዝ ኣብ ዝሃቦ ቃል በዞም ዝሰዓቡ ሞት ዘለዎ ሻቕላ ገሊጹ’ሎ።
ሓንቲ ካብዞም ግዳያት ኣብ ወርሓ ጥሪ ዝሓመመት ነርስ ምዃናን ኣብ ለካቲት ከም እተቐብረትን ሓላፊ ወኪል ጸጥታ ጥዕና እታ ሃገር ሳኮባ ኬይታ ን መራኸቢ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣፍሊጡ።
ካብቶም ኣብ ቀብሪ እዛ ነርስ እተኣኣተፉ እቶም ሸሞንተ ምልክታት ሕማም ኢቦላ ከም ዘርኣዩን ሰልስተ ምሟቶም እቶም ኣርባዕተ ኸኣ ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ምህላዎም ድማ ሓቢሩ።
ሓደ ካብዞም ሕሙማት ካብ ሆስፒታል ከምልጥ እኳ ፈቲኑ እንተነበረ ተታሒዙ ናብ ሆስፒታል ኮንካሪ ከም እተመልሰን ን AFP ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ነትጒ ሕማም ኢቦላ ካብ 2016 ንደሓር ብዕቱብነት ክከታተሎ ምጽንሑን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጐ እተላዕለ ነትጒ ከም ህጹጽ እዋን ሓደጋ ብምርኣይ ክከላኸሎ ምጽንሑን ተገሊጹ።