ወዲ 17 ዓመት ዳርዬስ ጃክሰን ተሌቪዥን እናተዓዘበ ጓል 22 ዓመት ኣማንዳ ጎርማን ነታ እንድይቦ ጎቦ ዘርእስታ ኣብ ግጥማ ኣብ እዋን ምርካብ ስልጣን ጆ ባይደን ክትነባ ምስ ሰምዐ ብሓይሊ ቃላት እዛ ጸላም ኣመሪካዊት ኣመና ተዓዘመ።
እዚ ኣብ ቪዥዋል ኣንድ ፐርፎርሚንግ ኣርትስ ስኩል ኣብ ግዝኣት ሴት ልዊስ ሚዙሪ ዝቕመጥ መንእሰይ ጃክሰን ” ታሪኻዊት” እዋን ምንባራ ይጠቅስ።
እዛ ግጥሚ ጎርማን ብቴሌቪዥን ካብ እተመሓለላፍ ንደሓር ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣፍቀርቲ ስነጥበብ ተወሳኺ ድርኺት ከም ዘሕደረትሎም ድማ ተመልኪቱ።
ጃክሰን ኣብ ግጥሚ ጎርማንን እታ ሕልሚ ኣሎኒ እትብል ሓያል መደረ ማርቲን ሉተርን ተመሳሳልነት ከም ዝረኸበን ነቲ ኣብ ኣመሪካ ዛጊት መሊኡ ዘይተቐርፈ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከም እትትንክፍን ድማ ይገልጽ።