ገለ ምምሕዳራት ክፍሊ ከተማ ስቶክሆልም ልመና ክኽልከል ንዘውጽኦኦ ሕጊ ይግባይ ተባሂሉሉ። ብርክት ዝበላ ክፍሊ ምምሕዳራት ስቶክሆክም ልመና ንዝኽልክል ሕጊ ኣብ ቅድሚ ቤት-ፍርዲ ምምሕዳር ይግባይ ምሕታተን ተገሊጹ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ልመና ዝእግድ ሕጊ ኣብ ምምሕዳራት ከተማ Lidingö, Täby, and Danderyd ከም እተስገደደ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ግና ልመና ከቋርጽ ከም ዘየተራእየ ድማ ተመልኪቱ። ካብ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝተረኽበ ኣፈኛ ቆንስል ምምሕዳር Lidingö Daniel Calinforors ነዚ እገዳ ብምድጋፍ ክሰርሕ ምጽንሑ ድሕሪንምግላጽ” ልመና ካብ ድኽነት ከገላግለካ ኣይክእልን እዩ” ኢሉ።
ብዙሓት ተቐማጦ Lidingö ከም ውሑስ ኣገባብ ከም ዘይርእይዎ’ውን ወሲኹ ኣብሪሁ። . እንተኾነ ግና ተቓዋሚ ሰልፊ ልመና ዘይምጒዳሉን መልክዑ ቀዪሩ ይቕጽል ምህላዉን ኣመልኪቱ።፡ “ኣብ ሓደ ቦታ ብቀዋምነት ዘይኰነ ኮለል እናበሉ እዮም ሳናቲም ክልምኑ ዝውዕሉ,” ክብል ኣባል ሰልፊ ኣከባቢ Patrik Sandström ምምሕዳር ከተማ Lidingö ሓቢሩ። ገለ ምምሕዳራት ከተማ ለመንቲ ናይ ልመና ፍቓድ እንተዘይወጺኦም ክእገዱ ምዃኖም ምሕባረን ይዝከር።