ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ኣብ ቴክሳስ ንዝወጸ ካብ ሽዱሽተ ሳምንቲ ንላዕሊ ዝገበረ ድቂ ከይንጸል ዝድንግግ ሓድሽ ሕጊ ብምዂናን፡ ንቅዋማዊ መሰል ደቀንስትዮ ዝግህስ እዩ ክብል ከምዝገለጾ፡ ናይቲ ከባቢ ማዕከናት ዜን ዘመሓላለፈኦ ምርኩስ ብምግባር፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ሕጊ፡ ደቀንስትዮ፡ ምሉእ ክንክን ጥዕና ከይረኽባ ዝገብርን ንመሰል ደቀንስትዮ ዝግህስን እዩ ክብል ብትሪ ነቒፍዎ’ሎ። እዚ እናኾነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቴክሳስ፡ ነዚ ሓድሽ ድንጋገ ሕጊ ከም ዘይዓጽፎ ገሊጹ’ሎ።
ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ ድቂ ህርመት ልቢ እንድሕሪ ጀሚሩ ምንጻሉ ከም ቅትለት እዩ ዝቚጸር። እዚ ድማ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ምጥናሳ እውን ብግቡእ ከይፈለጠት ዝኽሰት ምዕባለ ድቂ እዩ። ብመሰረት እዚ ሕጊ ድቂ ኣብዚ “ህርመር ልቢ” እተባህለ ምዕባለ እናሃለወ ምንጻል ጥንሲ ዘካይዱ ሓካይም ክኽሰሱ ይኽእሉ እዮም።
ተጣበቕቲ መሰል ደቀንስትዮን ዶክተራትን ነዚ ሓድሽ ሕጊ ብትሪ ተቓዊሞሞ ኣለዉ። ኣብዛ ሃገር ከምዚ ዝበለ ኣሳሪ ሕጊ ኣይተራእየን ዝበሉ እቶም ተቓወምቲ፡ እዚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘመሓላለፎ ዓቃባዊ ውሳኔ፡ ህጹጽ እዋን ጥዕና ዘገድዶ ምንጻል ጥንሲ እኳ ኣብ ግምት ከእቱ ኣይከኣለን ክብሉ ኣመልኪቶም ኣለዉ።